Thursday, July 18, 2013

ጓል ሂዋን



ጓል ሂዋን
ተፈትያትካ
ንድሕሪት ኣይትብልን
ምንም ከየትረፈት
ፀንቂቃ ትህበካ፡፡
ብዘይንሳ ሰብ ዘይለ
 ክሳብ ዝመስለካ
ከም ወለላ መዓር ትጥዕመካ፡፡
ተፀሊኣትካ ኸ?
ኣያሃብካ!
ደምኻ ሰትያ                                           
ስጋኻ ጎዛዝያ
ኣንጉዕኻ ማፅ
ከም ኤች.ኣይ.ቪ ኤ.ድ.ስ
ዓፅሚ ተትርፈካ፡፡
ስለዚ፣
ተኽኢልካ
ከም ዕምበባ ሓብሕባ
ፍቕሪ ሂብካ ኩሉ ትረከባ፡፡
ተዘይኽኢልካ ግን
ብጭጉራፍ መልሓሳ
ከይትልቕምፀካ
ኣርሒቅካ ትሓባእ
ኣብ ዘይትረኽበካ፡፡

No comments:

Post a Comment