Sunday, July 14, 2013

ዛንታና





‹‹ኣበይ አሎ ዛንታና?መን ይዘንቱዎ፤ መን ይፅሓፎ?››
ኢልኹም ዝሓተትኹሙና
‹‹ዘይተነገረ እምበር ዘይተገበረስ የለን››
ብምባል ወድዓዊ ሓቂ ዝነገርኹሙና
ብቅያ ተጋድሎ፣ ፅንዓት ሓደን ክልተን፣
ብሓሙሽተ ክፋል‹ተራሮችን ያንቀጠቀጠ ትውልድ›፣
ብጋላሕቲ ሰጊ፣መርትዖን ጋህዲ ክልተን ካልኦትን
እንዶ አይተፃሓፈን ኣይተዘንተውን?
ንልዕሊ 22ን ዓመታት ብሬድዮ ሰሚዕና
ብመፂሄታት፣ጋዜጣታት ሽሕ ግዜ አንቢብና
ኣብ ፅምብል ብዓላት ጉንበት 20ን ለካቲት 11ን
ብተሌቪዥን መስኮት ርኢና መስኪርና::

ግን ድማ
‹‹ዘይተነገረ እምበር ዘይገበረስ የለን››
ኢልኹም እንትነግሩና
ክልተ ነገራት ማዕረ ተገንዚብና
እቲ ሓደ ናይ መራሕቲ ሰይጣናዊ ጉሕለት
እቲ ካሊእ ናይ ቕኑዓት በጃህዝቢ መስዋእትነት

ይኹን እምበር

ንመራሕቲ ዘሞግስ ካብ መላእኽቲ ንላዕሊ ዝገብር
ተደጋጊሙ ይዘረብ ወግሐ ፀብሐ ይንገር
ሰይጣናዊ ጉሕለቶም
ይቕረ ዘይብሃል ስሕተት ምፍፃሞም
ትውልዲ ንምምሃር በታሪኽ ከይዝከር
ኣርሒቕኻ ይውርወር ኣብ ጉድጓድ ይቕበር
ብሓቂ ድማ
ዘይተገበረስ የለን ዘይተነገረ እምበር ፡፡

እዝኹሉ ነጎድጎድ
ካብትን ናብትን ሸበድበድ
ናይቲ ሓቂ ጫፍ
ናይ ታሪኽ ሽርፍራፍ
ምኹዋኑ ምስ ተዓዘብና
ምሒር ሓዚንና ጉሂና፡፡

እወ!
ንሓቂ ዝተቓለሱ
ደመሞ ከምውሕጅ ዘፍሰሱ
ኣዕፅምቶም ዘደቐቐ ስጋኦም ዝኸስኸሱ
ሕደሮም ተረሲዑ መቓብሮም በሪሱ
በረኻ ተሪፎም ከይተመለሱ፡፡

ኣብየት!
ዳግማይ ዕዱል ምረኸቡ'ሞ
ንሓንትሻብ ተዝመፁ ተዝመፃ
ወድዓዊ ሓቂ ተጓዕፂፃ
ብጉሒላታት ትዓምፂፃ

ወዮ ሓቂ ምስኦም ሞይታ
ተቐቢራ አብትሕቲ ባይታ

ማዕርነት ሕልሚ ኾይኑ
ደርባዊ ጭቆና ገኒኑ

ደቆም ደቂ ደቆም
ብድግሪ ተመሪቖም
ብዲፕሎማ ተቖፂሮም

ኣብ ትግራይ ጥራሕ ምስራኣዩ
ሕርር ኹምትር ኢሎም
ፀጉሪ ርእሶም ምነፀዩ
‹‹ንዚ ዲና ተሰዊእና›› እናበሉ
ርእሶም ሒዞም መእወዩ፡፡

No comments:

Post a Comment