ኣብ ከባቢ ስለዋ፣ ደቡባዊ
ትግራይ ማውጪ ዝብሃል ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬት ኣሎ፡፡እቲ ከባቢ ድንጉር ዝበዝሖን ብጣዕሚ ገደላማን እንትኸውን ግን ድማ ጠንኪሩ
ንዝሓረሰ ብዙሕ እቶት ዝህብ እዩ፡፡ዓቐብ ማውጪ ንምሕራሱ ጥራሕ ኣይኮንን ዝፈታትን ብኡ ንዝሓልፉ መንገደኛታት እውን እምበር፡፡
ሓደ መዓልቲ ሓንቲ
ዓባይ ሰበይቲ ዓቐብ ማውጪ ንምውፃእ ኣብ ምቅላስ እናሃዋ ጥራጥ ነገር ይመፅአን እሞ ኣብቲ ከባቢ ሰብ ምህላውን ዘይምህላውን ምስ
ኣረጋገፃ ‹‹ቦጫዕ›› ኣቢለን ጠረጣ እሞ ‹‹ማውጪ ሕረስ›› ብምባል ድማ ንማዓኮረን ይምልሳሉ፡፡ንእሽተን ምስትጉዓዛ ድማ መሊሰን
‹‹ቦጫዕ›› የብላ እሞ ‹‹ማውጪ ሕረስ›› በላ ብድጋሚ፡፡ወይዘሮ ሰበይቲ ንድሕሪት፣ንቕድሚት ከምኡ እውን ናብ የማንን ፀጋምን ብምጥማት
ሰብ ዘይምህላው ብድጋሚ ኣረጋገፃ እሞ እቲ ቅልቅል ውጥም እናበለ የሸግረለን ዝነበረ ጥራጥ ኣከታቲለን ለቀቅኦ… ከም ሞጅሙዕ፡፡
ኣከታቲለን ድማ ‹‹ማውጪ ሕረስ›› በላ፡፡
ወዮ ሰበይቲ ብጥራጠን
ትዓጅበን እቲ ዓቐበት ደበኽ ምስበልኦ ንክፍትና ከፍ ምስበላ ንድሕሪተን ግልፅ በላ እሞ ሓደ ወጣት ተኸቲልወን ከምዝመፅአ ተገንዘባ፡፡
ሰበይቲ፡ ‹‹ ወደይ
መዓዝ ድኣ መፂእካ?›› ብምባል ጠየቅኦ፤ ምውራደንን ዘይምውራደንን ንምርግጋፅ፡፡
እቲ ወጣት፡ ‹‹ ኣደይ
ማውጪ ተፈጊዑ፣ተቆረልቂሉ ክዝራእ ከሎ እየ መፂአ›› ኢሉ መለሰለን ይብሃል፡፡
/*********************************************************************************************/
መዘኻኸሪ፡
ፈግዓን ቆልቋልን ግራት
ንምልስላስ ዝግበሩ ናይ ማሕረስ ዓይነታት እዮም፡፡
No comments:
Post a Comment