ተጋዳላይ ነበር(ነበር ዝበልኹሉ ምኽንያት እቶም ስብኣይ ካብ ኣባልነት ህወሓት ዓርሶም ኣግሊሎም ብርዖምን መልሓሶምን ኣቕኒዖም ብሓሳብ ኣንፃር ህወሓት
ይኳሸሑ ስለዘለው እዩ፡፡) ኣይተ ኣሰገደ ገብረስላሰ ጋህዲ ክልተ ዛርእስታ መፅሓፍ ፅሒፎም፤ በ2001 ዓ.ም ድማ አሐቲሞም፡፡ነታ
መፅሓፍ ንምርካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝፈልጠን መደብራት መፃሕፍቲ ኣልሸ ክረኽባ ስለዘይካኣልኹ ኣየምበብኩዋን፡፡ኣግንየ ምስኣንበብኩዋ
ግን ሓዲስ ፍልጠት ክረኽበላ ከም ዝኽእል ተስፋ ይገብር፡፡እታ መፅሓፍ ንህወሓት ኣምሪራ ዝትነቅፍ ከምዝኾነት ተረዲአ ኣለኹ፡፡
ኣብ
ኢድኻ ዘይላን ዘይምበብካያን
መፅሓፍ ድኣ ንህወሓት ከም እትነቅፍ ሃመይ ጌርኻ ፈሊጥኻ? ዝብል ሕቶ ዝሓትት ተሃልዩ መልሱ ኣስዒበ ስለዘስፈርኹዎ ቅሩብ ሓቢርና
ንጉዓዝ፡፡
ድሕሪ ሓደ ዓመት
(2002 ዓ.ም)፣ኣይተ ወለደገብርኤል ታደሰ ዝተባሃሉ ተጋዳላይ ህወሓት ‹‹ብውድበይን ባዓልቲ ገዛይን ንዝመፀስ ይተረፍዶ ብብርዒ
ብመድፍዕ እውን ካብ ምቅላስ ንድሕሪት ኣይብልን›› ዝብል መትከል ዘለዎም ይመስለኒ ኣብ ሓንቲ ዓመት ውሽጢ 529 ገፅታት ዘለዎ
መፅሓፍ ሒዞም ደበኽ ኢሎም አለው፡፡እታ መፅሓፍ መርትዖ ትብሃል፡፡ቅርፂ ሽፋን መርትዖ ብውሕሉል ክኢላ ከምዝትቐረፀ ርኢኻ ንምርዳእ
ኣየፀግምን፡፡ክልተ መልሓሱ ናብ ደገ ዘልዚሉ ዘውፀአ፣ኣስናኑ ዝገጠጠ፣ኣዒንቱ ዘፍጠጠ ስብኣይ መንታ መልሓሱ ብመቐስ እንትቑረፅ የመልክት፡፡ደም
ይንጠባጠብ ኣሎ፡፡ብዙሓት ሰባት ድማ ንቲ ኹነታት ብጣቕዒት ድጋፎም እንትገልፁ ይርአዩ፡፡ብወገነይ ብናይቲ መቀናበራይ ስእሊ እኳ
ተትደነቕኹ በቲ ዝፍፀም ዘሎ ተግባር ግን ሕጉስ ኣይኾንኩን፡፡
- እቲ ኣዒንቱ ዘፍጠጠ፣ኣስናኑ ዝገጠጠን መንታ መልሓሱ ዝቑረፅ ዘሎን ስብኣይ መን እዩ?
- እቲ መቐስ ሒዙ ብዘይንሕስያ መንታ መልሓስ ዝቖርፅ ዘሎ ኸ?
- ነቲ መስካሕከሒ ተግባር ብጣቕዒት ዝዓጀቦ ሓፋሽ ኸ መን ይኾን?
ኣብ መእተዊ ገፅ
2፣‹‹ነቲ ብቀይሕ ደሙ ዓወት ዝሓፈሰ በዓል ታሪኽ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፤ነቶም ኣብ ቃልሲ ክቡር ሂወቶምን ኣካሎምን ዘኸፈሉን ውፍያት
ጀጋኑ በሓፈሻ ካይኑ››ይብሉ ኣይተ ወ/ገብሪኤል፤ ‹‹ ብፍሉይ ግን ወለም ዘለም ከይበለ ብፅንዓት ታቃሊሱን ኣቃሊሱን ነቲ ቃልሲ
ዘዐወተን ድሕሪ ዓወት እውን ንፅግዕተኛ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ዘፍርስ ዕጥቂ ወያናይ ዴሞክራሲ ዓጢቁ ኣብ ምምራሕ ንዝርከብ መሪሕነት
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ መዘከርታ ትኹነለይ፡፡››
ትቓሊሶም ዝረኸቡዎ መብቶም እዩሞ ይኽነሎም፡፡
ትቓሊሶም ዝረኸቡዎ መብቶም እዩሞ ይኽነሎም፡፡
ብፍሉይ ክዝከሩ ዝግበኦም
እንመን እዮም?ኣብ ቃልሲ ክቡር ሂወቶምን ኣካሎምን ዝኸፈሉ ውፍያት ጀጋኑን ብቀይሕ ደሙ ዓወት ዝሓፈሰ ብዓል ታሪክ ዝሖነ ህዝቢ
ትግራይን ወይስ ኣብ ኣመራርሓ ዝርከቡ ኣባላት ህወሓት?ብስሩኸ ብሂወት ንዘሎ ዶ ዝክር፣ፍትሓት፣ተስካር ወዘተ ይግበር እዩ?ወይስ
ካብ ሞት ከም ዘይተርፉ ስለዝተረደኦም እዮም ከምዚ ንምባል ዝደለዩ?ኽቡራት መንበብቲ ደስ ዝበለኩም ምረፁ፡፡ኣነ ግን
ንንጉስ ዘይሰግድ ዘየጎንብስ
ሓሽከር
ኻልቢ ኮይኑ ጭራኡ
እናዘረገ
ብብዓል ዋናኡ ዘይእዘዝ
ዘይእሰር
ወይ ናብ መዓስከር
ወይከዓ ናብ ገደል
ይወርወር፡፡
ዝትብል ግጥሚ መሳሊት
ሓበረይታ ንኣይተ ወ/ገብሪኤል ተዝጋብዞም ደስ ምበለኒ፡፡ንምንታይሲ ኣብ ቕድሚ ንጉስ ቀሪቡ ጉምብሕ ጥልዕ እናበለ ‹‹ንጉስ ሆይ፣ሽሕ ዓመት ንገሱ›› ዘይብል ንቶም ንጉስ ዝማረኸ ጥራሕ እዩሞ ኣይተሰሓሓትኩምን ክብሎም ስለዝደሊ፡፡
ኣይተ ወ/ገብሪኤል ብናይ ኣይተ አስገደ ጋህዲ ክልተ ዘርእስታ መፅሓፍ ምሒር ተናዲዶም መዓንጣኦም
ዝሓረረ ቋንጣ ከም ዝመሰለ መርትዖ መፅሓፎም ምስከር እያ፡፡የቐንየለይ ኣብ ዝብል ርእሲ ጥራሕ እዮም ጣቋ ዘለዎም ቃላት ትጠቒሞም
እምበር መቕድም ካብ ዝብል ንድሓርስ ‹‹ታሪክ ህዝቢ ትግራይ(ህወሓት ኣይበሉን) ኣደዳ ጉሒላታት ታሪክ እናኹነ እዩ››፣‹‹ጋህዲ ክልተ
ናይ ታሪክ ክሕደት እያ››፣‹‹ጋህዲ ክልተ ምስ ኣንበብኩ ታሪክ ‹ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን› ዝብል ናይ ህወሓት መፅሓፍ
ዘኪረ›› ብምባል እዮም ናይ ጓሂ ቃላት ብሞጅሙዕ እናንካዕከዑ ህጁም ኣቲዎም፡፡‹‹ታሪክ ህዝቢ ትግራይ ብትበለፅቲ አይድብዝዝን››
ብምባል ድማ መቕድሞም ዛዚሞም፤ ኣይተ ወ/ገብሪኤል፡፡
ኣብዚኣ ምንም ተቃውሞ
ይብለይን፤ህዝቢ ትግራይ ፍልፍሉ ዘይነፅፍ ውሕጅ ስለዝኾነ ታሪኩ ማንም ኣየደብዝዞን፡፡ማንም!፡፡ቅድም ሐዚ ሞኪሮም ኣይትሳኸዐሎምን፤ንቕድሚት
እውን ዝተፈለየ ነገር ክፍጠር ኣይክእልን፡፡ህዝቢ ትግራይ ግን ህወሓት ማለት ኣይኮነን፡፡ከምቲ ኣብ ገፅ 229 ‹‹ህወሓትን
ህዝቢ ትግራይን ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገፅ›› ዝበልዎ ኣይኮንን እቲ ሓቂ፡፡ተዝኾን ነይሩማ ህዝቢ ትግራይ ናይ ትእምት ወናኒ
ምኾነ፡፡ተዝኾን ነይሩማ ደቂ ትግራይ ምስኣረ ምድሪ እና ትቓለሱ ቁርን ፀሓይን ኣብ ዘይከላኸል ዳስ እናትማሃሩ ደቂ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ተናኣሰ ኣብ
ሊሴ ገብረ ማርያም ብኣብዝሓ ድማ ኣብ ቻናይን ምዕራባውያን ዩኒቨርሲታትን ኸሽናዕ ኣይምበሉን፡፡
ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ብሓቂ ንምግልጋል ትዓጢቓ ዘይትልዓል እንተደኣኮይና እቶም ቦርጫማት መራሕታ ዝበልዕዎ በሊዖም፣ዝሰትይዎ ሰትዮም ሞይቶም ክቕበሩ ከለው ምቕባራ ኣይተርፍን፡፡ህዝቢ ትግራይ ኣብ እንግድዓኡ ተጣቢቑ ደሙ እናመጠጠ ዝነብር ቑርዲድ ኣይደልን እዩ፡፡
ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ብሓቂ ንምግልጋል ትዓጢቓ ዘይትልዓል እንተደኣኮይና እቶም ቦርጫማት መራሕታ ዝበልዕዎ በሊዖም፣ዝሰትይዎ ሰትዮም ሞይቶም ክቕበሩ ከለው ምቕባራ ኣይተርፍን፡፡ህዝቢ ትግራይ ኣብ እንግድዓኡ ተጣቢቑ ደሙ እናመጠጠ ዝነብር ቑርዲድ ኣይደልን እዩ፡፡

No comments:
Post a Comment