Wednesday, July 10, 2013

ሓደ ሓደ ሓደ ሓደ...



መርሃዊ ዓብረሃ ሓንቲ ቀልዲ ኣዘኪሩኒ።

ሓደ ዓብዪ ኣቅሓ(ገሊኦም ክንዲ ናይ ኣርጊ ይብሉዋቶ)ዘለዎ ስብኣይ ጥራይ ክሽምት ንዕደጋ ከይዱ ይብሃል።እቲ ስብኣይ ኩሉ ግዘ ብዕጣቅ(ግልድም) እዩ ዝኸይድ። ውሽጢ ስረ (ፓንት) እውን ኣይግብርን(ገሊኦም ኣቅሓኡ ስለዘሸግሮ እዩ ይብሉታ)።

ምስ ሓንቲ ሸዋጢት ጥራይ ዋጋ ዕዳጋ ይወራረዱ እሞ ስብኣይ ንስፍሪ ይቕመጥ።ንሱ ኮፍ ኢሉ ስብይቲ ምስፋር ምስጀመረት ንቲ ክንዲ ገለ ዝኸውን ኣቅሓኡ ከም ዘንዶ ኣብ መሬት ተታዕ የብሎ።

ስበይቲ <<ሓደ>> ኢላ ምስፋር ምስ ጅመረት ንቲ ግዛዑ ተታዕ ኢሉ ረኣየቶ እሞ ውነኣ ስለዝሰሓተት ዝሓዘቶ ጥራይ ክሳብ ትውድእ <<ሓደ ሓደ ሓደ ሓደ>> እናበለት ብዘይምቁራፅ ቀፀለት።ስበይቲ ሰፊራ ምስ ወደአት ምንም ሒሳብ ከይበለት ናብ ገዝኣ ከደት ይብሃል።

No comments:

Post a Comment