Monday, July 15, 2013

ዛንታና (ናይ መልሲ መልሲ)



ደቆም ዲቂ ደቆም
ካብ ውሩያት ዩኒቨርስትታት…….በድግሪ ተመሪቖም
ግን ከዓ
ኣብ ትግራይ ጥራሕ…………ብዲፕሎማ ተቖፂሩም
ከዓ
ክልሎም ሓዲጉም……ክስደዱ ተገዲዶም፡፡
ወዮ እንተደሊናስ …….ብዙሕ ኣሎ ዝውጋዕ
ግን ንሱ ንግደፎ…….. ይኹን ይትሓባእ፡:

እዚ ብሞያን ሞራልን ………..ወድ ሰብ 
ዝግበር ምልሃይ……….ተዘይኾይኑ ዓገብ
በቃ! ገዲፈዮ!
ኣፈይ ጥርቅም ከብል………ኣእዳወይ ክእርንብ
ሕርመይ ክምሕል………………..ስጋ ውድብ!!!

ግን ደማ
 ክነግረኩም………….ስምዑኒ ሓንትሻዕ
ናይ ወረቀት ድምቀት……..ንወግዒ ወኻዕኻዕ
ብተግባር ኣይተርአየን………….ክስተ ክብላዕ
ግደፉ እባ ኣሕዋት!
ግደፉ እባ ስምዑና……..ንሰማማዕ
ኣብ ጥራሕ ምዓንጣ……ከመይ ገይርካ ይጉሳዕ???

 

ፂን ኢልኩም ስምዑኒ……….ኣቱም ኣሕዋት
ሕሶት ኣይፈትውን…………….ስጋ ስውኣት!!!


ሓደ ዓሌት ኢና…….ደቂ ሓንቲ ትግራይ
ሕውስዋስ ዘይብልና…….ከም ማንጨባ ፅራይ
ብሓባር ንዓቅቦ………ነቲ ሕሉፍ ውራይ
ሓቂ ምስ ፀነተት……..ከይንጥዓስ ዳሕራይ፡፡


ንሕና ንዛረብ………. ንስኹም ስምዑና
ዝብል መርገፂ ሒዝኩም……እምቢ ሃም በልኹምና
ወደሓን ኹም ከሳይ……….ኣብዚ ይኣኽለና፡፡

No comments:

Post a Comment