Friday, July 19, 2013

ሓርገፅ




ውሽጥኻ ዘቑስል
ዘሕኩክ ዘቃፅል
……ከም ሞጀለ ቆላ፤
ሃካይ ማይደራሩ
ኣብ ታሕቲ ምሕዳሩ
……ከም ሓተላ፤
ደረቕ ምድረ በዳ
ቀርናዕ ሓመድ ማንዳ
….ዝሓለፋ ሳዕሪ ዘይቦቕላ፤
ዕሾኽ ቀንጠፍጠፈ
ዕቡድ ከልቢ
ንኹሉ ዝልክም እናሓለፈ፤
ስልም እንተይበለ
ስለ ዘይእለ
ኣደይ ማርያም
........ትቦቅሶ ባዕላ፡፡

No comments:

Post a Comment