Tuesday, July 2, 2013

ኣፍኻ ከፊትኻ ቕረይ ሃም ሆረዬ!!!




መንግስቲ ቕድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ኳዕቲ ጎዳጉዲ ሆረዬታት ዘገድድ መምረሒ ኣብ መላእ ትግራይ ኣውሪዱ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ፡፡ዓላማ ሆረዬ ዝናብ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ንዝናብ ብምትካእ ፍርያት እቶት ሕርሻ ንምድንፋዕ እንትኸውን ዝተኳዓተ ሆረዬ ኩሉ ግን ማይ ይዓቁር እዩ ማለት ኣይኮነን፡፡


እቲ መምረሒ ግን ረብሓ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘያገድስ ተግባራዊነቱ ናይ ግድን እዩ ነይሩ፡፡ሓረስታይ ይፍተው ይፅላእ ካብ ላዕሊ ዝወረደ መምረሒ ተቐቢሉ ተግባራዊ ክገብር ነይሩዎ፡፡


ናይ ቕደም ወረዳ ስለዋ ደላ፤ ናይ ሎሚ ጣብያ ፋና ብኳዕቲ ሆረዬ ካብ ዘይተሳኸዐለን ከባቢታት ትግራይ ብቐዳምነት ዝትስራዕ ይመስለኒ፡፡ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ ከባቢ ብኳዕቲ ሆረዬ ብዓል መስኖ ዝኾነ ገባር ስለዘይራኣኹ እዩ፡፡ደርጋ ኩለን ሆረዬታት ምስተኳዓታ ኣፈን ከፊተን ይርከባ፡፡ኣይማይ ኣዕቒለን ኣይ እኽሊ ኣቡቒለን… ከንቲ ተሪፈን፡፡ነዚ ድማ እዩ ደቂ ደላ እዛ ዝትስዕብ እንካ ዝግነኒ ሕሹኽ ዝበሉኒ፡፡

እንካ ኣዝግነኒ፡፡
ብምንታ?
ብስዬ፡፡
ብዓል ስዬ(እንታይ ኣለካ ብዓል ስዬ)?
ኣፍካ ከፊትኻ ቕረይ ሃም ሆረዬ፡፡
መዘኻኸሪ፡- ቕረይ ማለት ትረፍ ማለት እንትኾን
              ሃም ድማ ከም ማለት እዩ፡፡







              ሰነ 7፣2005 ዓ.ም ኣብ መይዳ ደላ ዝተሳኣለ ፎቶ፡፡



No comments:

Post a Comment