Tuesday, July 30, 2013
"ኣግደድኽለይ" በሉ ኣቦይ ዓብዪ
ዓብዪ ስብኣይ እዮም።እርጋን ምሒር ስለዝተፀዓዓኖም ገዛ ካብ ዝውዕሉ ቡዙሕ ግዜ ገይሮም ኣለው። ሰውነቶም ረቒቑስ ቁሪ ቁሪ ስለዘብሎም ሓዊ ምስሓ(ምሟቅ)ብጣዕሚ እዮም ዘዘውትሩ።ሐዚ እውን ከም ልማዶም እቶም ነወሕትን ዓፅሚ ጥራሕ ዝትርፉ ኣእጋሮምን ቆላን ዶግዓን ዘርጊሖም መንደድ ሓቚፎም እናሳሓኑ እዮም።
ኣቦይ ዓብዪ እቲ ዝጓሃረ ሓዊ ይህቦም ብዘሎ ሙቐት ምሒር ስልዝትመስጡ ክንዲ ናይ ኣድጊ ዝኸን ወሸላኦም ንቲ ሰፊሕ ኣፉ ቁምጣ ስረኦ ሓሊፉ ኣብ መሬት ተታዕምባሉ ኣየስተውዐሉን። ሙቐት ተሰሚዕዎም ውሸላኦም ምግልብባጥ ጅሚሩ።
ኣብት እዋን ኣብ ቅድሚቶም ኮይና ሓዊ እናሞቐት "ፉርርር...ፉርርር" እናበለት ትኾርፍ ዝንብርት ድሙ እቲ ውሽላ እንትንቀሳቀስ ትርኢ እሞ ኣንጭዋ ምሲልዋ ዘሊላ ከይዳ ባስናናን ባፅፋራን "ሕኝ... ሕኝ... እሙም... እሙም" ምባል ትጅምር።ኣቦይ ዓብዪ ካባርርዋ ሞኪሮም ኣይተሳኸዐሎምን።ግን ድማ ብቃንዛ ጥዋዕ ክብሉ ኢሎም እዮም ዘለው።
ባዓልት ገዛኦም ኣብ ኣዳኣጉዶ እየን ነይረን። "ኣትዮ ንዛ ድሙ እማ ንዒ ሩርር...ችቹቹ" በልያ ኢሎመን።ኣደይ ዓባይ ከምዝተኣዝዝኦ ይገብራ።"ሩርር...ችቹቹ...ሩርር...ችቹቹ"
እታ ክፉእቲ ድሙ ግን ንቲ ወሸላኦም ንኺሳ እናጎተተት " እሙም... እሙም" እናበለት ናብ እንዳ ኣጉዶ ክተምርሕ እንትብ ናይ ኣቦይ ዓብዪ ስቓይ ተሐይሎ። ድሕሪኡ ኣቦይ ዓብዪ እንታይ ዝበሉ ይመስለኩ፣ "ኣትትትት!! ኣግደድክለይ! ኣግደድክለይ! ኣግደድክለይ!" ኢሎም ይብሃል።
ወዲአ፤ ተስሕቕ እንተኾይና ስሓቑ፤ ኪርኪርክር በሉ። ዘይተስሕቕ እንተኾይና እውን ስሓቑ፤ ኪርኪርክር በሉ።ስሓቕ ንመን ቐቲሉ ይፈልጥ?
Subscribe to:
Post Comments (Atom)
No comments:
Post a Comment