ጋህዲ ክልተ ግን ከምቲ
ኣይተ ወ/ገብሪኤል ዝብልዎ ብሓቂ ድያ ነቲ ሕሉፍ ታሪክ ኣዛቢዓ ትግራዋይ ነንባዓሉ ንክቀያየም ተፃሒፋ?‹‹ብድሕረይ ዳንዴር ኣይብቆል
በለት ኣድጊ›› ካብ ዝብል ናይታ የዋህ መገልገሊት ኣባሃህላ ተበጊሶም ድዮም ኣይተ ኣስገደ ንጋህዲ ክልተ ፅሒፎማ?ግን እኮ ህወሓት
ደሳለኝ ዝብሃል እሙንን ተባዕን ተቃላሳይ ኣድጊ ነይሩዋ እዩ ዝብሃል፡፡አረ እን ወዲ ሮሚጥ እውን ደሪፎምሉ እዮም፡፡እሞ ኸ ኣይተ
ኣስገደ ከም ደሳለኝ ኾይኖም ብቖራፅነት ኣብ ምቅላስ ዝርከቡ ተባዕ ዘይምኹዋኖም ከመይ ገይርና ኢና ክንፈልጥ?እቲ ናይ ህወሓት ንብረት
ዝኾነ ሜጋ ቤተ ፃሕፍቲ ኸ ንምንታይ እዩ ብዙሓት ቅዳሓት መርትዖ ሒዙ ጋህዲ ክልተ ግን የብለይን ዝብለና ዘሎ?
ኣቱም ሰብ አነ ጋህዲ
ክልተ ንምንባብ ብጣዕሚ እየ ትሃንጥየ ስለዘለኹም ‹‹ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ!›› ኣበይ ክምዝረኽባ ሓብሩለይ፡፡ክሻብ ሽዑኡ ግን ምስ
መርትዖ ወግዕና ንቐፅል፡፡መርትዖ ኣብ ትሽዓተ ምዕራፋት ዝትኸፋፈለት እያ፡፡ኣብ ምዕራፍ ሓደ… ‹‹ምጅማር ጉዕዞ ቁልቁለት›› ሓደሽ
ነገር ኣይረኸብኩላን፡፡ዝፈልጦ ታሪክ እያ ደጊማ ተሪኻትለይ… መርትዖ ንምርታዕ እናትሃንደደት እያ፡፡ምዕራፍ ክልተ እውን ድሕሪ ስዕረት
ሓሙሽተ ዓመታት መግዛእቲ ጣልያን ዝነበረ ኩነታት ትግራይ እያ ክትትርኽ ቀፂላ፡፡
ኣብ ምዕራፍ ሰለስተ(ገፅ፡64)
ግን ብዛዕባ መስረቲ ማገብት(ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ) ኣልዒላ ኣይተ ኣስገደ ካብቶም መስረቲ ኣይኮንኹምን ክትብል ጀሚራ፡፡ኣይተ
ኣስገደ ‹‹ካብቶም 31 ንማገብት ዝመስረቱ ውፉያት ተጋሩ ሓደ እየ ነይረ፡፡›› ይብሉ፡፡ዋላኳ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ እውን ኣብ
ናይ መመረቒ ፅሑፎም(thesis:Origion of TPLF) ኣይተ ኣስገደ ምስ መስረቲ ማገብት ነይሮም እዮም እንተበሉ ኣይተ ወ/ገብሪኤል
ግን ኣስገደ ከም ዘይነበረ ዝትሕብር ፅንዓት ሓደ እዮም መሪፆም፡፡ንምንታይ? ዶክተር ኣረጋዊ በርሀን ኣይተ ኣስገደን ኣብት እዋን
ዝነበሩ ሓሲዎም፤ ጋዜጠኛ ሃይላይ ሓድጉ ግን ዋላኳ ኣብት ግዜ ኣይንበር እምበር ከም እሙን ፍልፍል ሓበሬታ ኾይኑ፣ማለት ድዩ? እዚ
ጋዶ እዩ ክብሃል ዝኽእል ኣይተ ወ/ገብሪኤል፡፡‹‹መን የርድእ ዝቐበረ፤መን ይመስክር ዝነበረ›› ዝብሃል ምስላ እኮ ነዝን ወድዚን
ንምግላፅ ዝትዘረበ እዩ ነይሩ፡፡
ኣይተ ኣስገደ ንኣይተ
ወ/ገብሪኤል ብ1970 ዓ.ም ብወታደራዊ ታዕሊም ኣሰልጠኖሞም(ገፅ 188)፡፡ዳሕራይ ግን ኣይተ ወ/ገብሪኤል ናይ ደቡባዊ ግምባር
መራሒ ክፍሊ ህዝቢ ብምኹዋን የገልግሉ ነይሮም(ገፅ 185)፡፡ይኹንበር ይብሉ ኣይተ ወ/ገብሪኤል ‹‹ኣይተ ኣስገደ ምስቶም ዘርዚሮም
ዘቕመጥዎም ክፍሊ ህዝቢ ሽመይ ኣየእተውዎን(ቂመኛ ስለዝኹኑ)፡፡››ቅድሚ ምፅሓፍ ጋህዲ ክልተ ዲኹም ትቀያይምኹም? ዋእ! ንኣይተ
ወ/ገብሪኤል ብኣካል ተዝረኽቦም ታይ ከም ዘቀያየሞም ምጠየቕኹዎም፡፡ምኽንቱ ድማ ካብ ግሊ ቂሞም ተላዒሎም እዮም ንመርትዖ ፂሒፎማ
ዝብል ጥርጣሬ ክሓድረኒ ስለዘይደሊ፡፡
ብ1969 ዓ.ም ሶማልያ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረትሉ እዋን ትሓህት ንሃገራ ብዘይምውጋና ናይ ሃገር ፍቕሪ የብላን ግዲ ተባሂላስ ኣይተ ወ/ገብሪኤል ድማ ‹‹ነቲ ወራር ኮኒኑዎ እምበር ኣይደገፎን፡፡ተሓህት ንወራር ሶማል ኮኒንዎ ከም ዝሓለፈ እዩ ዝዛረብ፡፡ኣይኮነነን ዝብል ስብ እንተሃልዩ ዘይምኹናኑ ዘረጋግፅ መርትዖ ሒዙ ይቅረብ፡፡››ይብሉ(ገፅ 115)፡፡
ቕደም፣ ቕደም እዩ ይብሉዋቶ፤ እየሱስ ክርስቶስ ናብ መሬት ቅድሚ ምውራዱ ኣብ ግሪክን ሮማን ሓደ መስደመሚ ሕጊ ከም ዝነበረ ይዝንቶ፡፡ሓደ ሰብ ወንጀል ፈፂሙ ተባሂሉ እንተተኸሲሱ ወንጀለና ዘይምኹዋኑ መርትዖ ተዘይኣቕሪቡ ከም ወንጀለኛ ተቖፂሩ ይእሰርን ይቕተልን ነይሩ ይብሃል፡፡ኣቱም ስብኣይ ተሓህት ኮኒነ እናበለት ዝትዛረብ እንተኾይና እያኮ መርትዖ ክተቕርብ ዝግባእ፤ብሓቂ ኮኒና ምኹዋና ንምረግጋፅ፡፡መርትዖ ኣብዚኣ ዝተረትዐት ይመስለኒ፡፡
ኣብ ተዓለምቲ ብዝግበር ፅሬት ተሓህት/ህወሓት ትኣስርን ትቐትልን ክም ዝነበረት ኣይተ ኣስገደ ግዲ ፅሒፎምስ ‹‹ሕድሕድ ተዓላማይ ብቑዕ እዩ ይሕለፍ ወይ ሓንፋሺ እዩ ይትኣሰር፤ይረሸን ዝብል ፍርዲ ወሃቢ ቁፅሪ ሓደ አይተ ኣስገደ ነይሮም፡፡›› ዝብል መርትዖ ኣቕሪቦምልና፤ ኣይተ ወ/ገብሪኤል(ገፅ 189)፡፡
እሞኸ ትሕግዝዎም ዲኹም
ዘለኹም ወይስ ትቃወሙዎም? ኣስገደ ይረሸኑ ስለዝበለ እያ ህወሓት ትርሽን ዝነበረት እሞ ትሓታቲት ኣይኾነትን ማለት ድዩ? ከምዚ
ዝበሉ ግፍዕታት ብምቅላዖም እንተኾይኑ ኣይተ ኣስገደ ‹‹ክልተ መልሓሱ›› ዘብሎም ዘሎማ ክልተ ተሪፉስ ክልተ ሽሕ መልሓስ እውን
ይሃቦም፤ንንእዶም እምበር ኣይንኩንኖምን፡፡
መንታ መልሓሶም ብመቐስ ተቖሪፁ ደም ዛዕዛዕ ብምባሉ እውን ምሒር ንሓዝንን ነቲ ቖራፂ መልሓስ እንዳማቱ ከዓ ንኩንኖን ብሕጊ ንፋረዶን እምበር ኣይነጣቅዐሉን፡፡እቶም ምሩፃት ወለድናን ኣሕዋትናን ሂወቶም ዘወፈዩ፣ደሞም ዘፍሰሱን ኣካሎም ዝሳኣኑን እኮ ማዕርነትና ተረጋጊፁ፣መሰልና ተሓሊው ናይ ምንጋርን ምፅሓፍን መሰልና ንክንጥቀመሉ እዩ፡፡ወይስ ህወሓት ከም ሃይማኖታዊ ዶጉማ ተቖፂራ ‹‹ኩሉ ነገር ነውሪ እዩ፤ኣይባሃልን›› እናተባሃልና ኣፍና ሓቲምና ጥርቅም ክንብል እዩ ተደልዩ?ከምዚ ተኾይኑ ደኣ ደርግስ ታይድዩ ዝብል ዝነበረ? መርትዖ ኣይትሳኸዐላን፡፡
መንታ መልሓሶም ብመቐስ ተቖሪፁ ደም ዛዕዛዕ ብምባሉ እውን ምሒር ንሓዝንን ነቲ ቖራፂ መልሓስ እንዳማቱ ከዓ ንኩንኖን ብሕጊ ንፋረዶን እምበር ኣይነጣቅዐሉን፡፡እቶም ምሩፃት ወለድናን ኣሕዋትናን ሂወቶም ዘወፈዩ፣ደሞም ዘፍሰሱን ኣካሎም ዝሳኣኑን እኮ ማዕርነትና ተረጋጊፁ፣መሰልና ተሓሊው ናይ ምንጋርን ምፅሓፍን መሰልና ንክንጥቀመሉ እዩ፡፡ወይስ ህወሓት ከም ሃይማኖታዊ ዶጉማ ተቖፂራ ‹‹ኩሉ ነገር ነውሪ እዩ፤ኣይባሃልን›› እናተባሃልና ኣፍና ሓቲምና ጥርቅም ክንብል እዩ ተደልዩ?ከምዚ ተኾይኑ ደኣ ደርግስ ታይድዩ ዝብል ዝነበረ? መርትዖ ኣይትሳኸዐላን፡፡
የግዳስ ጋህዲ ክልተ ሓደ ዕሽሽ ኢልካ ክሕለፍ ዘይኽእል ጌጋ ዝፈፀመት ይመስለኒ፡፡ ክምቲ መርትዖ ኣብ ገፅ 214 ዘስፈረቶ ጋህዲ ክልተ‹‹ከይተጋደልና ዓወት ካይርከብ ኢሎም ዝተጋደሉ›› ዝዓይነቱ ኣጉል ትምክሕቲ ኣስፊራ እንተኾይና ብሓቂ ዓብዩ ስሕተት ፈፂማ እያ፡፡ቃልሲ ወለዶ እናተቐባበለ ካብ ዓወት ናብ ዓወት ዘሸጋግሮ እምበር በሓደ ወለዶ ተጀሚሩ ኣብ ሽቱኡ ዝበፅሕ ኣይኮነን፡፡ከምዚ ዓይነት መንገዲ ዝኽተሉ ኣምባገነናት መረሕቲ እዮም ክኾኑ ዝኽእሉ፡፡ቃልሲ ብኣቶም ተወሊዑ፤ንሳቶም ቅሂሞም ናብ መቓብር ክወርዱ ከለው ድማ ሓቢሩ ዝቕበር እዩ ክኸውን፡፡መርትዖ ኣብዚ ዝረትዐት ይመስለኒ፡፡
ናይ ኣይተ ወ/ገብሪኤል
ደስታ መፅሓፍ ጭምቕ ኣቢልካ እንትርአ ከም ዝስዕብ ትመስል፡
…ህዝቢ ትግራይ ብኣፃሓሕፋኦም
ሓዚኑ እዩ፡፡በቲ ዝገላበጥን ለኻዕኻዕ ዝብልን ቅዋሞም ኣብዝሓ ኩሉ ቅር ከም ዝበሎ ኣብቲ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ፡፡…ትማሊ ፃዕዳ እዩ
እናበሉ ኣብ ዝተፈላለዩ መድርኻት ዝተዛረብዎ ብድምፂ፣ብምስልን ብፅሑፉን ምስክርነቶም ንዝሃብሉ ሕዚ ፀሊም እዩ ይብሉና ኣለው፡፡
(ገፅ 187)፡፡
እዚኣ እያ ሓንቲ መርትዖ
ኢሎም ዘቕረብዋ፡፡ምኽንያቶም ድማ ‹‹ኣብ በዓል 11 ለካቲት 1992 ዓ.ም ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ንህወሓት ዘንእዱን ዘመጉሱን
ሓሳባት ሂቦም ነይሮም፤ሓንቲ ቃል እኳ ኣልዒሎም ንህወሓት ኣይነቀፉን፡፡›› እናበሉ ብምድግጋም ከእሙናና ይሙክሩ፡፡ነዚ ድማ እዩ
ኣብ ገፅ 245…(ድምፆም ኣለና)፣ኣብ ገፅ 143 …(ድምፂ ኣለና)፣ኣብ ገፅ 213…(ድምፂ ኣሎ) ኣብ ገፅ 215፣ ገፅ 308፣ገፅ
316 ወዘተ ከም መርትዖ ዝቐረቡ፡፡
ንዓይ ግን እዚኦምን ወዲ ዚኦምን እንተቐረቡ እውን ኣይተ ወ/ገብሪኤል ከእምኑኒ ኣይካኣሉን፡፡ምክንያቱ ድማ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ኣባል ህወሓት ጥራሕ ከይኮነስ ላዕለዋይ ባዓል መዚ እውን እዮም ነይሮም፡፡ስለዝኾነ ድማ እዮም ከምቶም ካልኦት ሰበ ስልጣን ዝሕሰውዎ ዘለዉ ክሕስዉ ግድን ነይሩ፡፡ምስ ህወሓት ዝነበሮም ርክብ ምስ ተቋረፀ ግን እታ ሓቂ ጎልጊሎም ኣውፂኦማ፡፡ንምንታይ ድዩ ድኣ ናይ ዓለም መንግስትታት ፈለጥቲ ውሽጢ ምሽጥር ከየውፅኡ መጠንቀቅታ ዝወሃቦም? ብስሩኸባ ሓደ ሰብ ንዘላኣለም ሓንቲ ቃል ክትህልዎ ኣለዋ ዝብሃል ዘረባ ተቐባልነት ዘለዎ ዶ ይመስሎም?
ብፍፁም ክኾን ኣይኽእልን፤ ክኾን ይብሉን ድማ፡፡ወይለከ! ወድ ሰብ እኮ ሕሊና ኣለዎ፤ሓንጎል ኣለዎ…ዝሓስበሉን ዘስንተንትነሉን፡፡ካብ ሕሉፍ ተማሂሩ ዝሐሸ ስብእና ንክህልዎ ስለዝፅዕር እዩኮ ሰብ ካብ እንስሳታት ዝፍለ፡፡ተዘይ ኮይኑ እማ እንስሳ ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ወዮ መርትዖ ብስምዒትን ብችኮላን ስለዝተፃሓፈት ምስትውዓል ኣይከኣለትን እምበር ህወሓት እውን እኮ ካብ ስሕተታታ እናተማሃረት እያ ኣብዚ በፂሓ እዩ ዝብሃል፡፡ካብ ስማ እኳ ተጀሚርና ማገብት፣ተሓህት ሐዚ ድማ ህወሓት እናተባሃለት መፂኣ፡፡ ካብ መርትዖ እንረደኦ እውን እዝሓቂ እዩ፡፡ትሓህት ትግራይ ንምግንፃል ትቃለስ ዝነበረት ውድብ እያ፤ ዋላእኳ ዓርሰ ነቐፈይታ ገይራ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ሓሳባ እንተቀየረት፡፡ ‹‹ነፃ ትግራይ ምምስራት እትብል ኣብ ሓፂር እዋን እያ ተቐይራ›› ትብል መርትዖ ኣብ ገፅ 110፡፡እዚ ጥራሕ ግን ኣይነበረን ናይ ህወሓት ታሪካዊ ስሕተት ናይ ሃገር ሃፍቲ እውን ተውድም ነይራ እያ፡፡እዚ ድማ መርትዖ ‹‹6 ኣውቶቡሳትን 27 ኦራላትን ኩለን ተቃፂለን፡፡›› ክትብል ፅሒፋቶ ኣላ ኣብ ገፅ 160፡፡ንኣይተ ወ/ገብሪኤልን ካልኦት ንዐኦም ዝመስሉ ወገናትን ግን እዚ ከም ዓወት ቆፂሮም እዮም ዝፅሕፉዎ፡፡ዓወት ግን ኣይነበረን፤ከቢድ ክስረት እዩ ነይሩ፡፡ናይ ሓንቲ ሃገር ዜጋታትን ንብረትን ምውዳም ኣብ ልዕሊ ድኽነት ድኽነት የስዕብ እምበር ከም ዓወት ዝርአ ኣይኮነን፡፡
ድሕሪ መረፃ 1997 ዓ.ም ዝትኸሰተ እውን ከምቲ ህወሓት ትፍፅሞ ዝነበረት ግጉይ ተግባር እዩ ተፈፂሙ፡፡‹‹ትግሬ ወደ መቀሌ፣ንብረት ወደ ቀበሌ›› ዝብልዎታ ግዕዙይ ኣባሃህላ፣ናይ ህዝቢ ኣውቶብሳት ምውዳምን ናይ ህንፃታት መስታወት ምስባርን ንብረት ምዝራፍን ከም ስሕተት ኣይቖፅርዎን፡፡እዚ ድማ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓታት ንኣዲስ ኣበባ ምስ መፃእኩ ተዓዚበ እየ፡፡እቶም ብጋሽነት ኣብ ገዛኦም ዝዐረፉኒ ስብኣይ ናይ ደርጊ ወታደር እዮም ነይሮም፡፡ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ ዕግርግር ድሕሪ መረፃ 97ን ተላዒሉ ክርክር ጀሚርና፡፡ናተይ መርገፂ እቲ ተጋሩ ንምፅልእላእ፣ኣውቶብሳት ምቅፃልን ንብረት ምዝራፍን ጌጋ እዩ ዝብል ነይሩ፡፡ እቶም ስብኣይ ግን ‹‹ህወሓትም እኮ የሰው ህይወትና የሃገር ንብረት እያወደመች ነበር ለስልጣን የበቃችው›› ብምባል ከእምኑኒ ሞኪሮም፡፡
ኣነ ግን እዝ ሽግር እዚ ኢትዮጵያ ኣበትዘላቶ ደረጃ ክትበፅሕ ዝገበራ ተመሓላላፊ ስሕተት ከም ዝኾነ እየ ነጊረዮም፤ ካብ ታሪክ ዘበነ መሳፍንቲ ጀሚረ ከረድኦም ሞኪረ፡፡ሓሳበይ ግን ክቕበሉ ኣይካኣሉን፤ድሕሪኡ እውን ኣይተራኽብናን፡፡
እት ካሊእ መርትዖ ኣይተ ወ/ገብሪኤል ብኣደይ ኣምሊሱ ዝቐረበ እዩ ነይሩ፡፡‹‹ነቲ ኣይተ ኣስገደ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውድብ ቅሬታ ኣሕዲሩ ንዝበልዎ››ብምባል እዮም መርትዖኦም ዝፀሓፉ፤‹‹ ኣደይ ኣምሊሱ ዝተበሃላ ወላዲት ኣብ 2ይ ጉባኤ ህወሓት ነቲ ስምዒትን ደገፍን ህዝቢ ኣመልኪተን ተዛሪበን ነይረን፡፡‹እንኳዕ ናትና ኾንኩም› ኢለናና›› ኢሎም ኣብ ገፅ 187፡፡
ህዝቢ ትግራይ ግን
በሓንቲ ሰበይቲ ዝውከል ኣይመስለንን፤ካብ ናይ ሓንቲ ኣዶ ምስክርነት ተበጊስካ ናይ መላእ ትግራዋይ ኣታሓሳስባ እዩ ምባል ስሕተት
እዩ፡፡ብዓይኒ ዕሙተይ ዝተበፅሐ መደምደምታ፡፡ብስሩ እውን ህዝቢ ትግራይ 100 ብ100 ኣሚኑ ከም ዘይተቐበሎም ክፈልጡ ኣለዎም እየ
ዝብል፡፡እቲ በላዒ ነብሲ ደርግ እኳ 100 ብ 100 ኣይተፀልአን፤ክሳብ ሐዚ ዝድንቕዎ ወገናት አለዉ፡፡
ጀማይካ ናይ ሻዕብያ ሰላሊ ዶ ነይሩ ኣይነበረን? መርትዖ‹‹…ኣይተ ኣስገደ ገ/ስላሰ ኣብ ጋህዲ ክልተ መፅሓፎም የማነ ኪዳነ(ጀማይካ) ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ንተሓህት ክስልል ተላኢኹ ክብሉ ኣብ ቡዙሕ ገፃት ፅሒፎም ኣለው፡፡›› ትብል እሞ፤‹‹እስቲ ኣንበብቲ ኣስተውዕሉ ጀማይካ ሰላሊ ንምኹዋኑ መን ነጊርዎም?...›› ብምባል ድማ ትጥይቕ፤ ኣብ ገፅ 148፡፡ዋእ! ናይ መርትዖ ስራሕ ድኣ ታይድዩ? ኣይተ ወ/ገሪኤል በመርትዖ ደጊፎም ሓሶት ምኹዋኑ ከረጋግፁ ነይሩዎም፡፡‹‹መን ነጊርዎም?›› ንዝብል ሕቶኦም ግን ‹ተራሮችን ያንቀጠቀጠ ትውልድ› ኣንቢቦም ይረደኡ እየ ክብል፡፡‹‹መን ነጊርዎም?›› ኢልኻ ምሕታት ግን መርትዖ ከይኮነስ ምሕፅንታ እዩ ዝኸውን፡፡
ምዕራፍ ሸሞንተ መርትዖ ‹‹ኩሉ ብተግባሩ ይሰመ!›› ትብል፡፡ኣየወ! ‹‹ኩሉ ተዝውሃብ ናቱናቱ፣ሰብ ሕጎስ እግዚሄር ይፈቱ›› ከም ዝብልዋቶ ኩላትና ንናትና ተንቕበል እማ ዓለም ከም ዝሐዚ ጋዶ ኣይ ምኾነትን፡፡ይኹን እምበር በለዕቲ ናይ እንዳማቶም፣ሓሰውቲ፣መላኸዕቲ እናሃለው ከመይ ገይርኻ ክኸውን?
(መርትዖ ኣብ ገፅ
307-308)
‹ኣብ ገፅ 342 መራሕቲ ህወሓት ብዘይካ ኣነ ካሊእ ኣይተምልኽ፡፡ኣነ ብዘትንፍሰሉ ሳምባ ጥራሕ ተንፍስ አዮም ዝብሉ፡፡ብዙሓት ሰባት ዘመንጨውዎ ቅኑዕ ሓሳባት ብጉልባብ ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ ዝዕፈን ዝነበረ ብዙሕ እዩ ይብሉ፡፡ርክብ ህወሓትን ህግሓትን ካብ ነጉህኡ ጀሚሩ ኣብ ጎይታን ጊላን ዝተመስረተ እዩ ነይሩ፡፡ኣውራጃውነት ነጊሱ ነይሩ… ኣብ ገፅ 395 ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣፈላላይ ዋላ እኳ ይንበር ደምፂ ብድምፂ ምስተሳዓሩ ተሳዒሮም ስኽ ብሉ፡፡…መለስ ዜናዊ ድምፂ ኣብ ምሃብ ዋላ ኣይእመነሉ ሓሳባት ናብ ዝድግፉ ድምፂ እዩ ኢዱ ዘውፅእ፡፡ይብሉ›
ትብል እሞ ‹‹ኣብ 1992 ዓ.ም ግን ህወሓት ወላዲት ጀጋኑ፣በላሕቲ እያ ሕይ
ብፃይ መለስ ወሲደካ በሊሕ እዩ፤ኣብ መርገፂኡ ፅኑዕ! ወላእላእ ዘይብል…›› ኢሎም ነይሮም (ድምፂ ኣሎ) ብምባል ናይ ኣይተ ኣስገደ
ክልተ መልሓስ ክርእዩና ትፍትኑ፡፡
ኣየናይ እዩ ግን እቲ
ሓቂ?ህወሓት እኮ ብዙሓት ተበዓት ኣባላታ ብሽም ብኣብዝሓ ድምፂ ከም ዝተባርር እያ ትፍለጥ፡፡እቶም መስረቲ ማገብት እንተይተረፈ ብኣብዝሓ
ድምፂ ባዕሎም ዝመስረትዋ ውድብ ገዲፎም ንክስደቱ ኣይተገደዱን ድዮም ዝብሉና ዘለው?ኣብ እዋን ሕንፍሽፍሽ ንባዓል ሃይሉ መንገሻ(ነጠበ)፣ግደይ
ዘርኣፅዮን፣ኣረጋዊ በርሀን ኣስፍሃ ሓገስን እኮ ብኣብዛሓ ድምፂ ተሸኒፎም ከም ዝተባረሩ ባዕልኹም ኣሚንኩምሉ፤
…ኣብዛሓ
ካድረ ነቶም ለውጥን ዓብዩ ዘላን ዘረጋገፁ መስመራትን ስተራተጅታትን እንት ድግፍ በዓል በሪሁን(ኣረጋዊ በርሀ) ዘርኣፅዮንን ንዝሓዙዎ
ኣረኣእያትት ድጋፍ ስኢኖም ነቶም ንደውታን ምንቁልቋልን ምኽንያት ዝኾኑ ኣረኣእያታት ወጊኖም ደው ኢሎም፡፡ዝሓዝዎም ኣረኣእያታት ስለዝተሰዓሩ
በቲ ሓፈሽ ዝኣመነሉ ኣብ ክንዲ ምጥርናፍ ንምንታይ ናትና ኣረኣእያ ይስዓር ኢሎም ድሕሪኡ ተሰማዕነት ይኹን ዝነበሮም ሓላፊነት ከም ዘይቕፅል
ብምእማን ጉዑዞኦም ጠቕሊሎም ቃሎም ዓፂፎም ነቲ ዝወጠንዎ ቃልሲ ገዲፎም ብሱዳን ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ሰገሩ፡፡
ብምባል
እኮ ኣብ መርትዖ መፅሓፍኩም ገፅ 395 ኣስፊርኩምዎ ኣለኹም፡፡
እቶም ብ1993 ዓ.ም
ዝተፈንጨሉ ‹‹ጉጅለ 12›› ዝትብልዎም ነበራት ማእኸላይ ኮምቴ እውን በኣብዛሓ ድምፂ ተሳዒሮም እዮም መድርኽ ረጊፆም ክወፁ ተገዲዶም
ኢልኹምና ኣይተ ወ/ገብሪኤል፡፡ኣብ ገፅ 291 እዝ ዝስዕብ ሓሳብ ሰፊሩ ይርከብ፡፡
‹ኣዳራሽ ዝመልአ ካድረ ውድቡ ካብምፍራስ ከድሕን ክብል‹ ንኹልኹም ክንሰምዐኩም
ኢና ናይ ስነ ስርዓት ሕቶታት ከይዐንቅፉና ናብቲ ዋና ጉዳይ ንእቶ ኢሉ እንተለመኖም እቶም ዝተፈንጨሉ ጉጅለ እናተለመኑ ነቲ ካብ
ሓደ ሽሕ ንላዕሊ ካድረ ሓሳቦም ከይገለፁ ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ወፁ፡፡›
ብወገነይ መርትዖ በዕላ ንባዕላ ንክትረትዕ ሃተምተም ዝትብል መፅሕፍ ኮይና
እየ ረኺበያ፡፡እዞም ካብ ዝፈትውዋ ውድቦም ገዲፎም ዝተሰደዱ ወለድና እኮ ክውገዙን ክኩነኑን እዩ ዝስማዕ እምበር ካብቶም ሐዚ ኣብ
ስልጣን ዘለው ቦርጫማት ዝሐሹ ምኹዋኖም ዝርደኣሎም ዋላ ሓደ የለን፡፡ኣብ ሕንፍሽፍሻት 69ን 79ን ከምኡውን 93ን እኮ እቶም ብኣብዝሓ
ድምፂ ዝተሸነፉ ‹‹ውድብና ኣይንለቅን›› ተደሊኹም ባዕልኹም ትሰደቱ ብምባል ኩናት ተዝውልዑ ነይሮም እዚ ሐዚ ዘሎ ሰላም ኣይምትረኸበን፡፡ፈሪሖም
ይኹን ‹‹መእንተዛ ምጎጎ ትሕለፍ ዛዕንጭዋ›› ኢሎም ስደትን ውርደትን ምምራፆም ክድነቕ ዝግበኦ እዩ፡፡
ኣብ ምዕራፍ ትሻዓተ
‹‹ቀፀልቲ ብድሆታት›› ኣብ ዝብል ምዕራፍ ነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሑ ዘለው ደጋውን ውሽጣውን ወፅዓታት ኣሚኖምሎምስ
ህወሓት ነዞም ፀገማት ፍሉይ ትኩረት ሂባ ክትቃለስ ከምዘለዋ እዮም ምዒዶም፡፡ሸሞንተ ዋና ዋና ነጥብታት ድማ ዘርዚሮም፡፡
- ዓብዩ ፈተና ትግራይና ሱር ዝሰደደ ድኽነት ምኹዋኑ ካብ ሱረ መሰረቱ ከምሓው ከምዘለዎን፣
- ውሽጣዊ ሓድነትና ከይልሕልሕ ንቃለስ
- ልምዲ ፖለቲካዊ ምክእኣል ክነጎልብት ከምዘለና፣
- ድኽመታት ቅድሚ ምግዋዶምን ዐንቅፋት ምፍጣሮምን ቀልጢፍካ ምእራም፣
- ንሕቶታት ህዝቢ እዋናዊ መልሲ ምሃብ፣
- ሚዛናዊ ቁፅፅር ይሃሉ፣
- ቂመኛታት ኣይንኹንን
- ደጋዊ ስግኣትን ዝብሉ ኣገደስቲ ነጥብታት ብምትንታን ወድዓዊ ዝኾነ ምኽሮም ለጊሶምና፡፡
እወ! እት ዘመን እናተቐየረ
እዩ ዘሎ፡፡ዓለምለኻዊነት ምንም ዓይነት ሓሊ ጠጠው ከብሎ ዘይኽእል ዓርሞሸሽ ስርዓት እናኾነ እዩ፡፡ስለዚ ህወሓት እውን ምስቲ ግዜ
ክትልወጥ ዘለዋ ይመስለኒ፡፡ተዘይኾይኑ ግን ከምቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ደርብታት ባዕላ ንባዕላ ሓሊኻ ንምውዳቕ ቀትርን ለይትን ትለፍዕ
ከምዘላ ትረዳእ፡፡ናይኒ ኣይተ ኣስገደ ገ/ስላሰ ጋህዲ ክልተ እውን ‹‹ዝብኢ ምስ ከደ ከልቢ ነበሐ›› (ገፅ 175) ኢልኻ ዝሕለፍ
ካይኾነስ ታሪካዊ ስሕተታትካ ብምእማን ዝሓሸ ኣማራርሓ ንምብርካት ምፅዓር ግድን እዩ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ሎሚ
እውን ከምቀደም ብስእነት ፍትሒ፣ብከርፋሕ ድኽነት፣ ብስእነት ዝስተ ፅሩይ ማይ፣ብስእነት ስራሕ፣ብስእነት መንበሪ ወዘተ
እናተሳቐየ ይርከብ፡፡ብዙሓት ተጋሩ ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ንኹሎም ቢሄራት ብትግርኛ ክልምኑ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑሎ፤ ብጣዕሚ
ድማ የሕፍር፡፡
ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ወጣታት
ትግራይ ዝሐሸ ስራሕ ንምርካብ ኣብ ምድረበዳታት ሳሃራን ዓፋርን ቐሊጦም ይተርፍለዉ፡፡ሃሩር ፀሓይ፣ቁርን ማይ ፃምእን ሓሊፎም ኣብ
ጁብትን ሱዳንን ምብፃሕ ዘይኻኣሉ ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕርን መዲትራንያንን ሰጢሞም ኣደዳ ዓሳ ነባሪ ይኾኑ ኣለው፡፡እቲ ብጣዕሚ ዝሕዝን
ግን እዝኹሉ ምንግልታዕ ሓሊፎም ኣብ ዓዲ ዓረብ ምስ በፅሑ ከም ሰብ ከይኾነስ ከም እንስሳ ትቖፂሮም ክርገፁን ክግፈዑን ምርኣይ
እዩ፡፡
ካብ ኹሉ ንላዕሊ ግን
ኣብ ትግራይ ዘመናዊ መስፍናዊነት ይስፋሕፋሕ ስለዘሎ ክሕሰበሉ ኣለዎ፡፡ሕግን ደምብን ዋጋ ስኢኖም ብሰብ ሃብቲ ይጉዕፀፁ ኣለው፡፡ገንዘብ
እምበር ሰብ ተናጊሩ ዝሰምዖ ኣይረኽብን ዘሎ፡፡እዞም ነጋራት እዚኦም ንምቕናስ ተተኻኢሉ ድማ ንምጥፋእ ዝክኣል ድማ ሓሳብ ብነፃነት
ምግላፅ ተተኻኢሉ ጥራሕ እዩ፡፡ህወሓት ‹‹ሓባኢያ ሕማሙስ ሓባኢ ፈውሱ›› ምኹዋና ጠጠው ክተብሎ ኣለዋ፡፡ሓቂታት ደፊኦም ክወፅኡ ከለው ምጉራዕ
ኣየድልን፡፡ሓቂ ትንታዕ፤ካብ ሕሉፍ ንምሃር፡፡ሕሉፍ ታሪክ ሓድነትና ንምጥንኻር እምበር ንምሽርሻርን ንምድኻምን ክኾን ይብሉን፡፡ኣብ
መወዳእታ ቅደም ዕሸል እናሃለኹ ካብ ዝፈልጣ ደርፊ ክልተ መስመር ግጥሚ ክጋብዘኩም፡፡
‹‹እንተሸፈንኻ ዘይትሽፈን
ሓቀኛ እያ
እንተሓብአት እውን ተቀላዒት
እያ፡፡››
No comments:
Post a Comment